Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪህ ትራንስፖርት እታ ከተማ ምምሕያሽ ክዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ኣብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ምምሕያሽ መጠን ትራንስፖርት ከምዝገብር ቢሮ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ትራንስፖርት እናሃቡ ዝርከቡ ኣሽከርከርቲ፥ ሓዱሽ መጠን ታሪፍ ዕላዊ እንተይኮነ ዝኾነ ይኹን ወሰኽ ዋጋ ብዘይምግባር ኣገልግሎት ብመሃብ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ እቲ ቢሮ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ዓለም ለኸ ዋጋ ፍርያት ነዳዲ እናወሰኸ ምስ ምምፅኡ ተተሓሒዙ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ፍርያት ነዳዲ ምስትኽኻል ዋጋ ከምዝተገበረ ይፍለጥ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቢሮ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ምምሕያሽ ታሪፍ ንምግባር መፅናዕቲ ኣብም ዝዛም እንትኸውን፥ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ዕላዊ ንምግባር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሳለጠ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.