Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ ንግዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀገም ቀረብ ፍርያት ሽኮር ከምዘጋጠሞ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመንፅር ቀረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፀገም ቀረብ ፍርያት ሽኮር ከምዘጋጠሞ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ መስፍን ኣሰፋ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ንዘሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እናቀረበ ዝርከብ መጠን ፍርያት ሽኮር ብመንፅር ጠለብ ትሑት ኢዩ፡፡

ኣብታ ከተማ ሕፅረት ቀረብ ፍርያት ሽኮር ከምዘሎ ዝሓሩ እቶም ምክትል ሓላፊ÷ “ብመንፅር ዝተመደበልና ኮታ እናቐረበ ዝርከብ መጠን ትሕቲ ፍርቂ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ፈፃሚ ስራሕ ኮሙዩኒኬሽንን ሚኒቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ቁምነገር እውነቱ ብግደኦም÷ እቲ ዝቐረበ ቅርታ ትኽክል ከምዝኾነን ብድጎማ መንግስቲ ዝቐርብ መጠን ቀረብ ሽኮር ሕፅረት ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሕፅረት ንምፍታሕ ምስ ኣምፃእቲ ሽኮር ኣብ ቀረባ እዋን ልዝብ ንምግባር ከምዝተሓሰበን ምስ ኣፍረይቲ ሽኮር ውፅኢታዊ ከምዝተገበረን ገሊፆም፡፡

እቲ ፀገም ሕፅረት ቀረብ ድሕሪ 30 ሕዳረር 2015 ዓ.ም ከምዝስተኻኸል እውን ኣብሪሆም።

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.