Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ብምዃን ብምዕዋተን ናይ “እንኳዕ ደስ በለክን” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ኮይነን ብምዕዋተን ናይ “እንኳዕ ደስ በለክን” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ወይዘሮ ፍረወይኒ፥ ተሓፃቢ መቐበሊ ወርሓዊ ፅግያት ብምምሃዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘለወን ተሳትፎ ክዓዝዝን ዓርሰ እምነት ተሰሚዑወን ብነፃነት ንኽመሃራን ብዘርአይኦ ልዑል ፃዕርን ተበግሶን ነዚ ዓለምለኻዊ ሽልማትን ምብቀዐን ሓጎስ ከምዝተሰመዖ እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ገሊፁ።

እቲ መግለፂ፥ “ነቲ ፀገም ብቐረባ ከም እትርዳእ ጓል ኣንስተይቲ፣ ከም ምህርትን መሃዚትን ከምኡ እውን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብልዑል ብርኪ ክንፀባረቕን ትርጉም ሕብረትና ንዓለም ብግልፂ ቋንቋ ንምርዳእ ዕድል ስለዝረኸባን ኩርዓት ክስመዐን ይግባእ” ክብል ኣብሪሁ፡፡

ተዓዋቲት እዚ ሽልማት ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ነዚ ኽብሪ ንኽበቕዓ በቢብርኩ ከይተሓለሉ ግዜኦም ሰዊኦም ኣብ ምጉስጓስ ዝተሳተፉንን ድምፆም ዝሃቡን ዜጋታት ኩሎም ሓበን ክስመዖም ከምዝግባእ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ መግለፂ፥ “ኩልኹም ሰራሒ ታሪኽ ትግራዋይ መንነትኩም ኣብ ኣደባባይ ዓለም ስለ ዘመስከርኩም ፃዕርኹም ፍረ ኣፍርዩ ኣሎ’ሞ ድርብ ሓጎስ ክስመዐኩም ይግባእ” ክብል ገሊፁ፡፡

እቲ ሽልማት ማሕበራዊ ፀገማት ህዝቢ ኣብ ዝፈትሑ ዓውዲ ዝሰርሐኦም ስራሕቲ ብዘበለፀ ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ዘለዓዕልን ዳግም ናብ ኩለመዳያዊ ዓወት ዘሰጉምን ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣብቲ ዘውፀኦ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.