Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ እዋናዊ መደባት ሕርሻ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እዋናዊ መደባት ሕርሻ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ቢሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዝወዘዖ ሓበሬታ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሕርሻ ቀዳምነት ሂብካ ካብ ክዕመሙ ዝግባኦም ተግባራት  ምህርቲ ምእካብን ዝተላዕለ እኽሊ ቀልጢፎም ብዝባፅሑ ዝራእቲ ኣዕታርን ሳዕስዓን ምዝራእ ዘብል ሓደ ከመዝኾነ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ምንካይ ብኽነት(ልዕሊ ዓቐን ድግስ) ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ማሕበራዊ ጉዳይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሩ።

በፍላይ ምስ ኣብያተ ትምሕርቲ ኣብ ዝግበር ምትሕብባር፥ እቲ ተግባር ተው ንክብል ኣጀንዳ እናሃብካ ብሚኒሚድያ ኣቢሉ ተማሃሮ ምንቃ፣ ሕብረተሰብ ብሓባር ተዛትዩ ናይ ከባቢ መተሓዳደሪ ደንቢ ማለት ስሪት ከውፅእ ምትብባዕ ከምዝግባእ ገሊፁ።

መስኖ ልምዓት ቀልጢፍካ ምጅማር፣ ምብርባር መዓርን ምስግጋር ቆፎ ንህብን፣ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ናይ ሙሉእ ዓመት ስራሕ ምዃኑ ተረዲእኻ ዝግባእ ሽፋን ምሃብ ዝብሉ ተግባራት እዋናዊ መደባት ሕርሻ ምኸኖም ተፈሊጡ ነዚኣቶም ኣብ ምትግባር ኩሉ ዝምልከቶ ንክሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.