ቡሩንዲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕዳግ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ትፅበ ከምዘላ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቡሩንዲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕዳግ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ትፅበ ከምዘላ ተገሊፁ።
ኣብ ዩጋንዳ ፍሉይቲ ልኡኽቲ ፌዴሪኢን በዓልቲ ሙሉእ ሰልጣን ኣምባሳደርን አለምጸሀይ መሰረት ምስ ሚኒስትር ማይ፣ ኢነርጂን መኣድንን እታ ሃገር ኢነንጂነር ኢብራሂም ኡውዜይ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብን ግድብ ህዳሰን ብምድሃብ ተዛቲየን።
እተን ኣምባሳደር ህንፀት ህዳሰ ግድብን ዝበፅሓሉ ብርኪ ድርድርን ብዝምልከት ብምብራህ እቲ ግድብ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝተቐመጠሉ ግዘ ሰሌዳ ከምዝፍፀም ተዛሪበን።
እዚ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2015 ብመሰረት ዝተገበረ ሰለስቲኣዊ ስምምዕ መርህ ከምዝፍፀም ተዛሪበን።
እቶም ሚኒስትር ብግደኦም፥ ብዘይ ኣቕርቦት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዝመፅእ ምዕባለ ከምዘየለ ብምግላፅ እተን ሃገራት ተፋሰስ በዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣቕርቦት ኤሌክትሪክ ብዝተመጣጠነ ኩነታት መዕባይ ዘለዎ እኳ አንተኾነ እዚ ኣብ ኣብዝሓ ሃገራት ምፍፃም ከምዘይተኽኣለ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ሃገሮም ብዝሓሸ ዋጋን ኣቕርቦትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕዳግ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ትፅበ ከምዘላ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረደእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።