በጀት 2016 ዓ.ም ክልል ደቡብ ልዕሊ 55 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ንኽኸውን ውሳነ ሓሳብ ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በጀት 2016 ዓ.ም ክልል ደቡብ 55 ቢሊየን 836 ሚሊየን 723 ሺሕን 309 ብር ንኽኸውን ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ውሳነ ሓሳብ ቀሪቡ።
ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 54 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ረቂቐ በጀት 2016 ተዛትዩ፡፡
ኣብ ዘትኡ ድማ÷ ን2016 ዝቐረበ ረቂቐ በጀት እቲ ክልል ካብ መንግስቲ ፌደራል ድጎማ 28 ቢሊየን 748 ሚሊየን 375 ሺሕ 845 ከምኡ እውን ካብ ኣታዊ እቲ ክልል 26 ቢሊየን 740 ሚሊየን 994 ሺሕን 239 ዝርከብ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
በጀት 2016 ዓ.ም 20 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘለዎ ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ቤት ምኽሪ እቲ ምምሕዳር ብዝቐረበ ኣዋጅ ረቂቕ በጀት 2016 ዓ.ም መንግስቲ እቲ ክልል ብምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com