Fana: At a Speed of Life!

በየነ ጴጥሮስ(ፕ/ር) ዝሰርሕዎ ስራሕ ዘኹርዕ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በየነ ጴጥሮስ(ፕ/ር) ዝሰርሕዎ ስራሕ ዘኹርዕ ብምዃኑ ትውልዲ ካብ ናቶም ህይወት ክመሃር ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ገሊፆም።

ስነ ሰርዓት ምፍናው ኣስከሬን በየነ ጴጥሮስ(ፕ/ር) ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ሓዊሱ፥ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ፣ ስድራን ፈተውቲን ከምኡውን ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ተረኺቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በየነ ጴጥሮስ(ፕ/ር) ዝሰርሕዎ ስራሕ ዘኹርዕ ብምዃኑ ትውልዲ ካብ ናቶም ህይወት ክመሃር ይግባእ ኢሎም።

በየነ (ፕ/ር) ብዘጋጠሞም ሕማም ልቢ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኬኒያን ሕክንኦም እናተኸታተሉ ድሕሪ ምፅናሕ 7 መስከረም 2017 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ይዝከር።

በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) 4 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ጥናት ኢትዮጵያ ብምዃን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተሸይሞም እናገልገሉ ምፅንሖም ይዝከር።

ኣብቲ ኢንስቲትዩት ንተምሃሮ ናይ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ስልጠና ብምድላው ሙየኦም ንከማዕብሉ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ተገሊፁ።

ስነ ሰርዓት ቀብሪ ሎሚ ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ መካነ መቓብር ክፍፀም ኢዩ ተባሂሉ።

 

ብፍሬህይዎት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.