Fana: At a Speed of Life!

በዓል ፍቼ ጨምባላላ ሓድነትና ብምጥንኻር ሓዱሽ ተስፋ እንሰንቀሉ ኢዩ-ኣይተ ደስታ ሌዳሞ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ፍቼ ጨምባላላ ሓድነትና ብምጥንኻር ሓዱሽ ተስፋ እንሰንቀሉ ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።

ሓዱሽ ዓመት ብሄር ሲዳማ ፍቼ ጫምባላላ ኣብ ሃዋሳ ጉዱማሌ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ኣይተ ደስታ፥ በዓል ፍቼ ጨምባላላ ሓድነትና ብምጥንኻር ሓዱሽ ተስፋ እንሰንቀሉ ኢዩ ኢሎም።

እቲ በዓል እንትነኽብር ቂምን ቅርሕንቲን ብምሕዳግ ዕርቀ ሰላም ንክነግስ ብምስራሕ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ  ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ህዝቢ ሲዳማ በዓል ዋና ዓምዩቕ ፍልስፍና ኢዩ ኢሎ።

ምክብባርን ምትሕብባርን ንኢትዮጵያ ዝረብሕ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ሃገራዊ ምዕባለ ምርግጋፅ ከምዝግባእ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ርእሰ ምምሕዳር  ክልል ደቡብ ርስቱ ይርዳው ብግደኦም፥ ከም  ፍቼ ጨምባላላ ዝበሉ ባህላዊ ክብሪታት ብምጥንኻር ሀንፀት ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር ምጥቃም ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.