Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ሓሊፉ ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናክር ኢዩ – ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ሓሊፉ ሓድነት ህዝቢታት ዘድንፍዕን ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናክርን በዓል ከምዝኾነ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር በዓል ጥምቀት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ሓሊፉ ሓድነት ህዝቢታት ዘድንፍዕን ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናክርን በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ በዓል ብዙሓት ባህላዊ ክብሪታት ዝንፀባረቑሉ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሰሰናዩን ንሓድነት ህዝቢ ዝጠቕሙን ክብሪታቱ ብምሕላውን ምልማዕን ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

በዓል ጥምቀት ብዙሓተ በፃሕቲ ናብ ሃገር ዝስሕብ ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዙሓት ኣታዊታት ክትረክብ ዘኽእላ ኢዩ ኢሎም።

እቲ በዓል ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ሓድጊ ዓለም ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒትር÷ ምሕላውን ምክንኻንን ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ በዓላት ባህላዊ ክብሪታቶም ሓሊዮም ንኽኽበሩን ክለምዑን ዝሰርሕ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.