Fana: At a Speed of Life!

በዓል ገዳም ደብረ ዳሞ ብድምቀት ንምኽባር አሰናዳኢት ኮሚቴ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምዃኑ ምምሕዳር ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በቢዓመቱ 14 ጥቅምቲ ዝኽበር በዓል ገዳም ደብረ ዳሞ ብድምቀት ንምኽባር ኮሚቴ ፀጥታ፣ ሎጂስቲክስን ምልዕዓልን ኣብ ሰለስተ ዓብዪ መሰናደዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ይስራሕ ከምዘሎ ምምሕዳር ወረዳ ጉሎመኸዳ ሓቢሩ።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ኩለመዳይ ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓ ገዳም ደብረ ዳሞን ዓበይቲ ዓድን መድረኽ ዘተ ከምዘካይድ ዋና ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ሃፍቶም ባራኺ ገሊፆም።

ወረዳ ኣይተ ሃፍቶም÷ ብምኽንያት ኵናት ቅሂሙ ዝፀንሐ ዓውዲ ቱሪዝም ኣብ ምንቕቓሕ ኣበርቲዕኻ ምስራሕ ከም ዝጠልብ ኣገንዚቦም።

ኣብ ክብረ በዓል እቲ ገዳም÷ ምምሕዳር እታ ወረዳ ቀረብ ማይ፣ ግልጋሎት ጥዕናን ቀረብ መድሓኒትን ግልጋሎት ተዘዋዋሪ መጋባእያን ከምዝህብ ኣይተ ሃፍቶም ወሲኾም ገሊፆም።

ክብረ በዓል ጥንታዊ ገዳም ደብረ ዳሞ ብርክት ዝበሉ በፃሕቲ ዝሳተፉሉ ዘቤታዊ ቱሪዝም ኮይኑ÷ እቲ ገዳም ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ መዛብር ከም ይዝርከብ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.