Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀት ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።
 
በዓል ኣሸንዳ/ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ትግራይ ዝኽበር ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓል እንትኸውን፥ ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ዝኽበር በዓል ኢዩ።
 
ዓይኒ ዋሪ፥ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ማእኸላይ ዞባ ዝመፅኣ ጎራዙ ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣኽሱም ደሚቐን ዝውዕላሉን ባህለን ዝዕቅባሉን በዓል ከምዝኾነ ድማ ይፍለጥ።
 
ዓይኒ ዋሪ ኣብ ህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ንክህሉ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ኢዩ።
 
ስለዝኾነ እቲ በዓል፥ መሰረት ስልጣነን ሰርዓት ሃይማኖትን ኣብ ዝኾነት ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም ብመንፈሳዊ ምስጋናን ብያሬዳዊ መዝሙርን ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትውፊታቱ ኸይተበረዘ ብመራሕቲ ሃይማኖት ተዓጅቡ ብባህሊ ወቂቡ ብፍሉይ ድምቀት ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።
 
በዓል ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት፥ “ክብርታት ዓይኒ ዋሪ ንኽብሪ ደቂ ዓይኒ ዋሪን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ብድምቀት ዝኽበር ዘሎ።
 
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.