Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀት ፅባሕ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀትን ንምኽባር ዘኽእል ምድላዋትከምዝተወገነ ተገሊፁ።

በዓል ኣሸንዳ/ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ዝኽበር ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓል እንትኸውን፥ ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝኽበር ኢዩ።

ዓይኒ ዋሪ፥ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ማእኸላይ ዞባ ዝመፅኣ ጎራዙ ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣኽሱም ደሚቐን ዝውዕላሉን ባህለን ዝዕቅባሉን ብዓል ከምዝኾነ ድማ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ዓይኒ ዋሪ ኣብ ህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ንክህሉ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ይግለፅ።

ስለዝእኾነ እቲ በዓል፥ መሰረት ስልጣነን ሰርዓት ሃይማኖትን ኣብ ዝኾነት ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም ብመንፈሳዊ ምስጋናን ብያሬዳዊ መዝሙርን ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትውፊታቱ ኸይተበረዘ ብመራሕቲ ሃይማኖት ተዓጅቡ ብፍሉይ ድምቀት ከምዝኽበር ኢዩ ተገሊፁ።

በዓል ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት፥ “ክብርታት ዓይኒ ዋሪ ንኽብሪ ደቂ ዓይኒ ዋሪን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ፅባሕ ብድምቀት ዝኽበር ዘሎ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም ተፀጊኑ ግልጋሎት ብምጅማሩ÷ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብታ ከተማ ዝኸዱ ኣጋይሽ ከይተንገላትዑ ብቀጥታ ዝመፅእሉ ብምዃኑ ብፍሉይ ድምቀት ክኽበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ሓበሬታ ርክብ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም የመላኽት።

በዓል ኣሸንዳን ማሪያን እዚ ዓመት÷ “ክብርታት ኣሸንዳ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ  ኣብ መልላእ ትግራይ ከምዝተኸበረ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.