Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ከልል ጋምቤላ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ዝተረኸቡ ተወካሊ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ቸንኮት ቾት፥ ዓወት ዓድዋ ኢትጵያውያን ወራሪ ሰራዊት ጣሊያን ዝሰዓርሉ ክፍቲት ዋጋ ደምን ዓዕፅምትን ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ንምኽባር ዶብ ሃገር እምነት፣ ቋንቋ፣ ዘርኢ፣ ኣተሓሳስባን ፆታን ከይፈላለዮም ፍቕሪ ዓዲ ናብ ሓደ ዝኣከቦም ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ክልል ቤኒኛንጉል ጉመዝ ከተማ ኣሶሳ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ድማ፥ ምኽትል ርእሰ ምምሕድር እቲ ክልል ጌታሁን አብዲሳን ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብዱልሙኒየም አብዱልዋሂድን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ተረኺቦም።

ኣብቲ በዓል ታኽ ዝዝንትዉን ሓድነት ዘጠናኽሩን ዝተፈላለዩ መልእኽቲታት ተመሓላሊፎም።

መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ክልል  ኣምሓራ ከተማ ባህረዳር፣ ጎንደርን ደብረ-ብርሃን ከምኡውን ካልኦት ከተማታት እቲ ክልል ብድምቀት ተኸቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.