Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድምቀት ከምዘኽብሩ ነበርቲ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድምቀት ከምዘኽብሩ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።

ነበርቲ ከተማ ዓድዋ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ በዓል ዓወት ዓድዋ ሓድነትን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ምጥቃም ከምዝግባእ ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ውድድር ጉያን ወፍሪ ፅሬትን ኣካይዶም።

ዓድዋ ምልክት ሓድነት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ነበርቲ፥ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብምኽንያት ስእነት ሰላም ከምዘይተኸበረ ተዛሪቦም።

ስምምዕነት ሰላም እናተተግበረን ምርግጋእ እናተመለሰን ኣብ ዝርከበሉ እዋን ዝኽበር በዓል ዓወት ዓድዋ ፍሉይ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እቲ በዓል ፅባሕ ኣብታ ከተማ ብድምቀት ንምኽባር ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.