Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ተኸቢሩ።

እቲ በዓል ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ መካን መዲናን ንዒድ ሰላት ካብታ ሃገርን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ዝመፅኡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ዝተረኸቡሉ እናተኸበረ ይርከብ፡፡

በዚ ድማ ኣመንቲ (ሃጀጅቲ) ኣካል ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝኾነ ፀፀር ናይ ምድርባይ ተግባርን ካልአት ስርዓታትን ድሕሪ ሶላት መግሪብን ኢሻን ከምዝውግኑ ተገሊፁ፡፡

እቲ ስነ ስርዓት ኣብ ሙዝዳሊፋህ ምሸት ሙሉእ ከምዘሕልፉ ተገሊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ሃገራት ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ፣ ቱርኪ፣ ኦማን፣ ኳታር፣ ባህሬን፣ ኩዌት፣ ዮርዳኖስ፣ ፍልስጤም፣ ሞሮኮ፣ ኣልጄሪያ፣ ቱኒዝያ፣ ሊቢያን ግብፂን እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት እናኽበራ ከምዝርከባ ተገሊፁ፡፡

ብካሊእ መዳይ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኣሜሪካ፣ ኣብ ብሪታኒያ፣ ኣውሮፓን ካናዳን እቲ በዓል ፅባሕ ከምዝኽበር ተሓቢሩ፡፡

ኣከባብራ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) እዚ ዓመት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ኣጅ ቴሌቪዥን ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.