በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ብድምቀትን ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብዝሓለወን መልክዑ ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ሃገር ዝተኸበረ መበል 1 ሽሕን 445 በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ብድምቀት ተኸቢሩ ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።
እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን÷ እቲ በዓል ብሰላም ንኽዛዘም ኣስተዋፅ ንዝገበሩ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ብፍላይ ንኣቦታት ሃይማኖት፣ ንኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ በዓልን መናእሰይን እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡
ሓይሊታት ፀፅታ ምስ ሕብረተሰብን ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ በዓልን ብምውዳድ ዝተውሃም ወፍሪ ብዝግባእ ብምውፀኦም ምስጋና ምቕራቡ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡