Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዒድ ሸዋል ኣብ ከተማ ሃረር ምኽባር ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካል ሃገራዊ ፃውዒት ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ዝጀኾነን መግለፂ ብሄረሰብ ሃረሪ ዝኾነን በዓል ዒድ ሸዋል ኣብ ከተማ ሃረር ብዕሊ ምኽባር ጀሚሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኣርዲን በድሪ፥ ዒድ ሸዋል ሓደ ኣካል “ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ” ከምዝኾነ ብምሕባር ነቲ ፃውዒት ስዒቡ ዝመፅኡ ተኣኻኺቦም በዓል ካብ ምኽባር ሓሊፉ ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ተፈጥሮኣዊ፣ ጥንታዊን ሰብ ስራሕን መስሕባት ዑደት ብምግባርን ብምፍላጥን፣ ኣብ ኢንቨስትመንት ብምስታፍ ኣብ ኢትዮጵያ እናበፅ ዝርከብ ውሽጣዊን ደጋዊን ፅዕንቶ ንምምካት ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲቶም።

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትነ ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ብግደኦም፥ ጥንታውያን ኣቦታትን አዶታትናን ዘፅንሑልናን ዘውረሱናን ዘበን ተሳጋሪ ቅርሲታት ብምሕላውን እታወት ብምውሳኽን ምስ ዘበኑ ክዝምን ብግባር ንቐፃሊ ወለሶ ምትሕልላፍ ናይ መንእሰይ ወለዶ ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

በዓል ዒድ ሸዋል ብኣባላት ብሄረሰብ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምስተኸበረ ንተኸታተልቲ 6 መዓልቲታት ድሕሪ ምፅዋም ብቐንዱ ኣብ ፈላና በሪን ኤረር በሪን ኣብ ዝተብሃሉ በሪታት ጀጎል ይኽበር፡፡

ብተሾመ ሃይሉ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.