Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኣሸንዳ ብዝደመቐ ኩነት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ኣሸንዳን ማሪያን  ኣብ መልላእ ክልል ትግራይ  ብዝደመቐ ኩነት ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ መግለፂታት ባህሊ ሓደ ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኩሉ ከባቢታት እቲ ክልል ብዝደመቐ ኩነት እናተኸበረ ይርከብ።

እቲ በዓል፥ ደቂ ኣሸንዳ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ  ባህለን ብዝበለፀ ዘፋልጣሉን ናፅነተን ዘንፀባርቓሉን ዕለት  ኢዩ።

አብዚ ሐዚ ሰዓት ብኣሸሓት ዝቑፀራ ደቂ ኣሸንዳ ኣብ ዝተረኸባሉ ንምኽባር ኣብ ከተማ መቐለ ንምኽባር፥ ጎራዙ ኣሸንዳ ናብ ስታዲየም ባሎኒ ይኣትዋ ኣለዋ።

ብተመሳሳሊ በቢ ዓመቱ ብዝደመቐ ኩነት ዝኽበር በዓል ዓይኒ ዋሪ ኣብታ መበቆል ስልጣነን ታሪኽን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነት ከተማ ኣኽሱም  ካብ 24  ጀምሩ ብፍሉይ ምድላው ክፅምበል እዩ።

ኣብ መቐለ ዘሳለጥ ስነ-ስርዓት ምኽባር በዓል ኣሸንዳ÷ ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ሓለፍቲ ቢሮ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ዕዱማት ኣጋይሽን ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

በዓል ኣሸንዳ እዚ ዓመት÷ “ክብርታት ኣሸንዳ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ኣብ መላእ ትግራይ እናተኸበረ ዝርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.