Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብሰላም ከምዝተኸበረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብሰላም ከምዝተኸበረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣባገዳታት፣ ኣዳ ስንቄታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኸበረ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ብሰላም ከምዝተኸበረ ኢዩ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

እቲ በዓል ብሰላም ንክኽበር ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ትልሚ ብምስንዳእን ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምዝታይን ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ዘዘኻኸረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፥ እቲ በዓል ብሰላም ንክሓለፍ ድጋፍ ንዝገበሩ ኣካላት ብሙሉኦም አመስጊኑ።

ብመሰረት እዚ ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮሞ፣ ኣዳ ስንቄታት፣ መንግስቲ ዝሃቦም ሓላፍነት ብግቡእ ንዝተዋፅኡ ምክልኻል ሃገር፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን፣ ዘብዒ ሪፐብሊካን፣ ፌዴራል፣ ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ኣዲስ ኣበባን እቲ በዓል ብሰላም ንክሓልፍ ንዝገበርዎ ሓገዝ ምስግና ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.