Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ባህላዊ ስርዓቱ ሓሊዩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ንሳልሳይ ግዘ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ባህላዊ ስርዓቱ ሓሊዩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ንምኽባር ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላላያ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ዝመፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣቐዲሞም ናብታ ከተማ ዝተዓደሙ እንትኾኑ፥ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ፍሉይ ዞባታት ዙሪያ ፊንፊኔ ዝተውፃእፅኡን ክፋላት ሕብረተሰብ እውን እቲ በዓል ብሓባር ናብ ዝኽረሉ ቦታ ውሒዞም እናኽበሩ ከምዝኆኑ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መሳርሕትና ሓበሬታ ኣብጺሖምና።

ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይ፣ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን፣ ፈረሰኛታትን ሓረስቶትን ኣብቲ ባህላዊ ስነ-ስርዓቱ ብዝሓለወ መልክዑ እቲ በዓል እናኽበሩ ይርከቡ።

ፅቡቕን ማራኺን ብዝኾኑ ባህላዊ ክዳውንቲን ክብሪታትን ደሚቖም፣ ባህላዊ ፀወታታት እናርአዩን ዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታትን እናዜሙ፣ ፈረሰኛታት እውን ዝተፈላለዩ ምርኢታት እንርአዩ ኢዮም ተምሳሌት ሰላም፣ ፍቕሪን ሕውነትን ዝኾነ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ እናኽበሩ ዝርከቡ።

ቀዳይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ኢሬቻ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ በዓል ኢሬቻ ፈተናታት ብፅንዓት ተፃዊርካ ናብ ብሩህ እዋን ብተስፋ ምሕላፍ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም ኢዮም።

ኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ መሰረታዊ ክብሪታት ኢሬቻ ዝካፈሉ ስለዝኾኑ፥ በዓል ኢሬቻ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን በዓል ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ይፍለጥ።

ቅድሚ ነዊሕ ዘበናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ከምዝነበረ ዝንገረሉ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ፥ ንብዙሓት ዓማውቲ ድሕሪ ምቁራፁ ካብ ቀረባ እዋናት ንደሓር ሎሚ እንትኽበር ንሳልሳይ እዋን ኢዩ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ኣብ ሆራ ፊንፊኔ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ንምስታፍ ንዝመፅኡ ኣጋይሽ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም፤ እንኳ ኣብፀሐኩም ኢለን።

ብኣሰፋ ኣህመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.