Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ “ሆረ ሃርሰዴ” ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 መስከረም ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ “ሆረ ሃርሰዴ” ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይኽበር ኣሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ተኻፈልቲ በዓል ኣባገዳታትን ሃደሲንቄታት እናተመር ኣብ ሆራ ሃርሰዴ ይርከቡ።
ኣባገዳን ሃደሲንቄታትን ብኢዶም ርሑስ ሳዕሪ ብመሓዝ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ምስግጋር ብምብሳር ሰናይ ትምኒቶም እናገለፁ ይርከቡ።
መናእሰይ ባህላዊ ጭፈራታት እናስምዑ ናብቲ ክብረ በዓል ኣምሪሖም።
ሓይሊታት ፀፅታ ምስ ሕብረተሰብ ብምውዳድ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ንኽኽበር እናሰር ይርከቡ።
ኢሬቻ ብህዝቢ ኦሮሞ ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦመግለፂ ስርዓት ገዳ እንትኸውን፥ ብዙሓት ሰባት እውን ነዚ በዓል ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻፈሉ ይርከቡ።
ብሃብታሙ ተ/ስላሴ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.