Fana: At a Speed of Life!

በዓል ቤት ጓል ኣይተ ሴኩቱሬ ኣብነት ሃይሽዋ ብፖሊስ ፌዴራል ብዋሕስ ንኽፍታሕ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ቤት ጓል ኣይተ ሴኩቱሬ ኣብነት ሃይሽዋ ብፖሊስ ፌዴራል ብዋሕስ ንኽፍታሕ ተገይሩ።

እቲ ውለቀ ሰብ፥ ምስ ሓይሊ ፀረ ሰላም ጉጅለ ህወሓት ርክብ ኣለዎ ብዝብል ተጠርጢሩ ምርመራ እናተገበረሉ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ተጠርጣሪ ብዋሕስ ንኽፅእ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብ ሃገር ከይወፅእ ከምዝተኣገደ እውን ተገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ማይ ካድራ ተወለድቲ ኣምሓራ ክቕተሉ ኣለዎም እናበለት ተተሓባብር ነይራ ዝተብሃለት ወታደር ሓጎስ ገብረተንሳይ ጉዳያ ኣብ ቤት ፍርዲ ምክልኻል ንኽረአ፤ መዝገባ ናብ ቤት ፍርዲ ጦር ሰራዊት ተዘዋዊሩ፡፡

እታ ተጠርጣሪት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ቀሪባ ጉዳያ ከምዝተርኣየ ይፍለጥ፡፡

ኣታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.