Fana: At a Speed of Life!

በዓል ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ይካየድ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣደባባይ መስቀል እንትበፅሑ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ብምምፃእ ኣብቲ ቦታ እናተፀበየ ዝነበረ ህዝቢ ብልዑል ስምዒት ብጣቕዒት ተቐቢሉዎም።

በዓል ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብብሄራዊ መዝሙር ኢትዮጵያ ዝተዘመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ በዓል ሽመት ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪካ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት፣ ሓላፍቲ ትካላት ወፃኢ ሃገር፣ ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ኣብ ዝተሸሙሉ ዕለት ኣብ ቅድሚ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘስምዑዎ መደረ ብመላእ ኢትዮጵያውያን ዝተነኣደ ታሪኻዊ ከምዝነበረ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.