Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ ጉዳያት ማሪታይም ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓት ኣድሂቡ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል መዚ ጉዳያት ማሪታይም ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓት ኣድሂቡ ይዛተ ኣሎ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ቀፀልቲ 10 ዓማውቲ ክስርሑ ዝተሓሰቡ ዘፈራት ሎጂስቲክስን ባሕሪን ብዝምልከት ኢዩ እናተዛተየ ዝርከብ።

ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ግልጋሎት ሎጂስቲክስ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ምግባርን ብቑዓት ባሕረኛታትን ብምቕራብን ካብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ንምግባር ራኢ ከምዝተሓንገጠ እውን ተገሊፁ።

ካብ ወደብ ጂቡቲ ብተወሳኺ ብፖርት ሱዳንን ወደብ በርበራን ዘሎ ተረባሕነት ምዕባይ ድማ ክመሓየሽ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ካሊእ ጉዳይ ኢዩ።

ኣፈፃፅማ መልቲ ሞዳል ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለዎ ብዘሐሸ መልክዑ ኣካይድኡ ምጥንኻር፣ ቁፅሪ ደረቐ ወደባት ናብ 11 ክብ ክብሉ ምግባር እውን ኣብቲ ትልሚ ክስርሑ ኢዮም ካብ ዝተብሃሉ ጉዳያት ይርከቡዎ።

ሰብ ሞያታትን መዳርግቲ ኣካላትን እቲ ዓውዲ እናተሳተፉሉ ኣብዝርከብ ምይይጥ፥ ፀገም ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ፣ ሕፅረት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ፀገም ቀረብ መሰረተ ልምዓት ቀንዲ ቀንዲ ንቅፈፋታት እቲ ዓውዲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ ግልጋሎት ሎጂስቲክስ ምምሕያሽ ዝተርኣየሉ ኩነታት የሃሉ እምበር ኣብ ዘፈር ኣጠቓቕማ ባሕሪ ሰፊሕ ፀገም ኣሎ ተባሂሉ።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.