Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንቨስትመን ባንኪ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣገልግሎት ኢንቨስትመን ባንኪ ምጅማሩ ኣፍሊጡ፡፡

ኣክሲዮን ማሕበር ሲቢኢ ካፒታልን ማሕበር ኣክሲዮ ካፒታል ኢንቨስትመንት ባንኪ ወጋገንን ድማ ፈላሞት ኢንቨስትመንት ባንኪ ንኽጅምሩ ፍቓድ ምርካቦም ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ማሕበር ኣክሲዮን ኢትዮ- ፊደሊቲ ሴኩሪቲስ – አሰናዳኢ ሰነደ ሙኣለ ንዋይ፣ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኤች ኤስ ቲ ኢንቨስትመንት ኣድቫይዘሪ ሰርቪስስ – ኣማኻሪ ሰነደ ሙኣለንዋይ ኢንቨስትመንትን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኢኩዥን ኣማኻሪ ሰነደ ሙኣለንዋይ ኢንቨስትመንት ብምዃን ፍቓድ ረኺቦም።

ዝደንፈዐ ካፒታል ዕዳጋ ንኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ሃገር መሰረት ከምዝኾነ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪን ኣካቢ ቦር በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋን ማሞ ምህረቱ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ዓውዲ ብፍላይ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዘለዎ ፀገም ፋይናንስ ንምፍታሕ ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ኣብሪሆም፡፡

ካፒታል ዕዳጋ ካብ ኣፍረይቲ ብተወሳኺ መንግስቲ ዘለዎ ፀገም በጀት ንምፍታሕ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም፡፡

ብዘመን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.