Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ሕሶት ሓበሬታን ናይ ፅልኢት ዘረባን ንምምካት ምስ ፋና ተዋዲዱ ክሰርሕ ኢዩ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ናይ ሕሶት ሓበሬታን ናይ ፅልኢት ዘረባን ንምምካት ምስ ፋና ተዋዲዱ ከምዝሰርሕ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣይተ መሓመድ እድሪስ ገሊፆም፡፡

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘህነፀ ሓዱሽ ዘመናዊ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ሎሚ ዕለት ኣመሪቑ፡፡

ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ዝሪአሉ ሓደ መነፀር ኣለዎ፤ ንሱ ድማ  ሚዲያታት ጎድና ጎድኒ ምስፍሕፈሖም ክንደይ ዝኣክል ሃገር የኽብራ ዝብል ኢዩ” ኢሎም፡፡

ሃገር ምኽባር ዝግለፅ ድማ ሕጊ ሃገር ብምኽባር ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ብመንፅር እዚ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብኣብነት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ፋና መደባት ካብ ምስንዳእ፣ ህዝቢን ተመልካቲን ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ሕጊ ኣብ ምኽባር ቅድሚት ከምዝህብ እውን ገሊፆም፡፡

እዚ ብምግባሩ ምስጋና ብምቕራብ፤ ሕጊን ሃገርን ዘኽብር ነዊሕ መገዲ ከምዝጓዓዝ ኣገንዚቦም፡፡

ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ተተሓሒዙ ብናይ ሕሶት ሓሬታን ናይ ፅልኢ ዘረባን ሃገር ንምፍራስ እናተሰርሐ ዝርከብ ሓደገኛ ወፍሪ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር÷ እዚ ምምካት ዝከኣል ትኽክለኛ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ናብ ህዝቢ ብምብፃሕ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ፋና ኩሉ ግዘ ሓደሽጺ ነገራት ምርኣይ ዝተለመደ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ መሓመድ÷ ትፅቢት ንዝግበረሉ ነዊሕ ጉዕዞ ድማ ብሓባር ንምስራሕ ድሉዋት ኢና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.