በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ንኦን ላይን ሚዲያ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣጊዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኦን ላይን ሚዲያ ኣዲስ ስታንዳርድ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝወፅአ ኣዋጅ ብምትሕልላፉ ከምዘኣገዶ በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ግዚያዊ እገዳ ተመሓላሊፉ ዘሎ፥ እቲ በዓል መዚ ብዝገበሮ ክትትል፣ ቅርታን ምስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘለዎ ርክብ ስዒቡ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
እቲ ኦን ላይን ሚዲያ ውሳነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምትሕልላፍ ከምኡ እውን ዛዕባታት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናፈፀመ ክሰርሕ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡
ኣብዚኣቶምን ካልኦት ተዛማጅ ጉድለታት ስነ-ምግባርን ዓሚቕ ምርመራ ዝግበር እንትኸውን፥ ተወሳኺ ስጉምቲ ክውሰደሉ ከምዝኽእል እውን እቲ በዓል መዚ ኣገንዚቡ፡፡
ንናፅነት ፕሬስ ቆራፅ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ በዓል መዚ፥ ኩሎም መራኸብቲ ሓፋሽ ስነ-ምግባር ሙያ ጋዜጠኝነት መሰረት ብምግባርን ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ብሓላፍነት ንኽሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።