Fana: At a Speed of Life!

በዓል መውሊድ ኣብ ዓብዪ መስጂድ ኣንዋር ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕን 499 በዓል መውሊድ ኣብ ዓብዪ መስጂድ ኣንዋር ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ኣቦታት ሃይማኖት፣ ተኸተልቲ እቲ እምነትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት እናተኸበረ ዝርከብ።

ኣብ መስጂድ ኣንዋር እናተኸበረ ኣብ ዝርከብ በዓል÷ ኢማም ዓብዪ መስጂድ ኣንዋር ሸኽ ጣሃ ሃሩን ቁርዓን ብምቅራትን ዱዓ ብምግባርን ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ።

እቲ በዓል ብብርኪ ሃገር ኣብ ዓብዪ መስጂድ ኣንዋር ብሰደቃ፣ ብመንዙማን ነሺዳን ብኣቦታት ሃይማኖት፣ ብመናእሰይን ሰገናትን እናተኸበረ ከምዝርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.