Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል ፍልፍል ማሕበረ-ቁጠባዊ ረብሓ ንምግባር ይስራሕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል ፍልፍል ማሕበረ ቑጠባዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምግባር ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ቱሪዝም ይሰርሕ ከምዘሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ነዚ ዘፍለጠ ኣብ ምዕቃብ ታሪኽን ሓድግታትን ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሳለጦ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ እዩ።

ኣብ ማህደር ዩኔስኮ ብዘይድህሰስ ሓድጊ ዝተመዝገበ በዓል መስቀል÷ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሖ ዕንወት ደጊምካ ንምሕዋይ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ በዓል ፍልፍል ማሕበረ ቑጠባዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምግባር ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ቱሪዝም እናተሰርሐ ምዃኑ፤ ነቲ ዋዕላ ብዕሊ ዘጀመሩ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ዛይድ ነጋሽ (ዶ/ር) ኣብሪሆም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ብወገኖም÷ ታሪኽ፣ ባህልን ሓድግታትን ትግራይ ንምዕቃብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብምንኣድ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.