Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል ኣብ ሱዳን ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝርከብ ደብረ ሰላም መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስትያን ኦርቶ ዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ብድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፥ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይበልጣል አዕምሮ ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖትን ተኸተልቲ እቲ እምነትን ተረኺቦም፡፡

ኣምባሳደር ይበልጣል አዕምሮ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ በዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ሃፍቲ ኩሉ ወዲ ሰብ ከምዝኾነ፣ ኢትዮጵያ በዓልቲ ብዙሕ ታሪኽን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከምዝኾት፣ ይኹን እምበር ካብ ድኽነት ዘይተናገፈት ምዃና ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ሃፍታ ኣልሚዓ ካብ ድኽነት ከይትወፅእ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዝለዓሉ ፀላእቲ ፈተና ከምዝኾኑዋ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓሌት ከም መቐስቀሲ ዝጥቀሙ ሓይሊታት ሃገር ንምፍራስ እናሰርሑ ከምዝኾኑ፣ ብመንፅ እዚ ኢትዮጵያውያን ብዘርኢን ሃይማኖትን እንተይተፈላለዩ ሓደ ኮይኖም ንሰላምን ሓድነትን ሃገሮም ብሓባር ደው ክብሉ ከምዝግባእ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.