Fana: At a Speed of Life!

በዓል መሳላ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተምሳሌት ሓድነትን ፍቕርን ዝኾነ በዓል መሳላ ኣብ ብሄረሰባት ከንባታ፣ ጠንባሮን ዶንጋን ይኽበር ኣሎ፡፡

እቲ በዓል÷ ኣብ ዞባ ከምባታ ጠምባሮ ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ብሄረሰባት ማለት እውን ከንባታ፣ ጠንባሮን ዶንጋ በቢዓመቱ ዝኽበር ኢዩ፡፡

በዓል መሳላ ኣብቶም ብሄረሰባት መዛዘሚ ሓዱሽ ዓመት ጥራሕ ዘይኮነስ ሓድነት፣ ፍቕሪን ሰናይ ተግባርን ይግለፀሉ።

ሓላፊ መምርሒ ባህሊን ቱሪዝምን ዞባ ከምባታ ጠንባሮ ኣይ ሃይሉ ኣደሮ÷ እዚ ተምሳሌት ሓድነትን ፍቕሪን ዝኾነ በዓል መሳላ ናብ ወለዶ ንምምሕልላፍ ካብ ክልል ክሳብ መንግስቲ ፌዴራል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ መለሰ ኣጪሶ ብግደኦም÷ እቲ ዞባ መግለፂ መንነት ከንባታ ዝኺነ ማሳላ ንዓለም ንምፍላጥ ሙሉእ ዓቕሙ ፃዕሪ እናገበረ ይኹን እምበር፤ ክንዲቲ ዝድለ ክፋለጥ ሰስለዘይከኣለ ልዑል ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ብጥላሁን ይልማ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.