Fana: At a Speed of Life!

በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

እቲ በዓል ሃይማኖታዊን ባህላዊን ስርዓቱ ብዝሓለወ መልክዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ካፋላት ኢትዮጵያ ብድምቀት እናተኸበረ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ “በዓል ልደተ እየሱስ ክርስቶስ ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና ፈላማይ ዕርቂ ተገይሩ ይሕሰብ” ኢሎም።

ቅድሚ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ፤ ኣብ መንጎ ፈጣሪን ፍጡርን፣ ሰማይን ምድርን፣ እግዚኣብሄርን ሰብን ተሃኒፁ ዝፀንሐ ፅልኢ ኣብ እዋን ልደት `ካብ ደቂ ደቂኻ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ` ዝብል ቃል ፈጣሪ ብተግባር ዝጀመረሉ፤ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰባትን ዕርቂ ዝተወጠነሉ ኢዩ” ብምባል ኣብሪሆም ኢዮም።
<span;>ስለዝኾነ እቲ በዓል፥ ምፍልላይ ዝተሰረዘሉ፣ ሕብረትን ሓድነትን ዝፀንዐሉ፣ መለኮትን ስጋን፣ ህያውን መዋቲን፣ ዘለኣለማዊን ግዚያዊን፣ ፈጣሪን ፍጡርን፣ ሰማያዊን ምድራዊን፣ ሙሉእን ዉሱንን፣ ብተዋህዶ ሓደ ኮይኖም የበስራት ዝተደመፀሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

<span;>ኣቦታት ሃይማኖት በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ድማ÷ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ፤ በዓል ፍቅሪን መሰረት ትሕትናን ስለዝኾነ ህዝበ ክርስቲያን ሕድሕዱ ብምፍቕቓርን ብምፍታውን ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡</span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;>

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.