Fana: At a Speed of Life!

በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብኩሎም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብኩሎም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ሎሚ መዓልቲ ብድሙቕ ኩነታት ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኢዩ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ስነ ስርዓታት ዝኽበር ዘሎ።

ኣቦታት ሃይማኖት በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ዓመተ 2013 ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩ፥ ምውላድ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ደቂ ሰባትን ዝነበረ መንደቕ ፅልኢ ብምፍራስ ሰላምን ፍቕሪን ዝተመስረተሉ ኢዩ።

ህዝበ ክርስቲያን እቲ በዓል ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ብሓባር ንከኽብሮ እውን መልእኽቶም ኣመሓላለፊም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ሰላም ንክዓስል ፃዕሩ ንከጠናኽር እውን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ሰነያን ንክኸውንን እቲ ምእመን ንዝረአ ዘሎ ጎንፂ፣ ሞት ዜጋታትን ምምዝባልን ንምውጋድ ብፅሒቱ ክዋፃእ ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.