Fana: At a Speed of Life!

በዓል ልደት ብሰላም ንኽኽበር ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ልደት ብሰላም ንኽኽበር ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዝቕፅል ቀዳም 29 ታሕሳስ ዝኽበር በዓል ልደት ብሰላም ተኸቢሩ ንኽዛዘም ፖሊስ ዝገበሮ ምድላው ኣመልኪቶም ምክትል ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ሓላፊ ኣብ ቀፃሊ ዝኽበሩ ክብረ በዓላት ሓዊሱ ንጉባኤ መራሕቲ ሕብት ኣፍሪካ ኣድላዪ ምድላው ሓለዋ ፀፅታ ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ኩነት÷ ናይ 60 መዓልቲ ትልሚ ብምውፃእ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ገሊፆም።

ኣብ እዋን በዓላት ዝውውር ናይ ሕሶት ገንዘብ ሓዊሱ ካልኦት ፈተነታት ገበን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ዝሓበሩ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ÷ ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ግቡእ ጥንቃቐ ንኽገብር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዘጠራጥር ነገር እንተጋጥም ሕብረተሰብ ኣብ ቀረቡኡ ንዝርከቡ ጣቢያታት ፖሊስ ብኣካል ብምቕራብ ወይ እውን ብቁፅሪ ስልኪ 011-1-11-01-11 ን ብናፃ መስመር ስልኪ 991 ን ብምድዋል ንኸፍልጡ ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.