Fana: At a Speed of Life!

በዓል ሆራ ፊንፊኔ ኢሬቻ ብሰላም ከምእተዛዘመ ምምሕዳር ከተም ኣድስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸበረ በዓል ሆራ ፊንፊኔ ኢሬቻ ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ብሰላም ከምእተዛዘመ ከንቲባ ምምሕዳር ከተም ኣድስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

እቲ በዓል ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃባ እተን ከንቲባ፥ እቲ በዓል ንምህዋኽ ሒደት ተለኣኣኽቲ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ፀገም ንምፍጣር እንተደለዩ እውን ኣይተሳኸዐሎምን ኢለን።

ህዝብን ኣካላት ፀፅታን ነቶም ተለኣኣኽቲ ምንም ክፍተት ብዘይምሀቦም ሓሳቦም ኣይተዓወተን ክብላ ተዛሪበን።

ስለ ዝኾነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሳልሳይ ጊዘ ዝተኸበረ በዓል ሆራ ፊንፊኔ ኢሬቻ ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ብሰላም ምዝዛሙ ገሊፀን።

ኢሬቻ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ ሓድነትን  በዓል ከምዝኾነን እቲ በዓል ፈጣሪ ምምስጋን ካብ ምዃኑ ንልዕሊ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝተጠናኸረሉ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

በዓእ ሆራ ፊንፊኔ ኢሬቻ  ብሰላም ንክዛዘም ንዝገበሩ ኣካላት ፀፅታን ህዝብን አመስጊነን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.