Fana: At a Speed of Life!

በዓልና፥ በዓል ሓልዮት፣ ሓድነት፣ ፍቅርን ሰላምን ብሩህ ተስፋን ክገብረልና ይምነ- ዶክተር ኣብረሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ዶክተር ኣብረሃም በላይ ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ በዓል ኣሸንዳ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓልና፥ በዓል ሓልዮት፣ ሓድነት፣ ፍቅርን ሰላምን ብሩህ ተስፋን ክገብረልና ይምነ ኢሎም።
ሙሉእ ትሕዝቶ እቶ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ብሩኽ በዓል አሸንዳ ይግበረልና!
በዓልና፥ በዓል ሓልዮት፣ ሓድነት፣ ፍቅርን ሰላምን ብሩህ ተስፋን ክገብረልና ይምነ::
በዓል ኣሸንዳ ደቂ ኣንስትዮ ባህለን ዝገልፃሉ ፣ ክራማት እናተዛዘመ ብሩህ ተስፋ ሓዱሽ ዓመት ክኾን ዝምነያሉ ክቡር በዓልና እዮ፤ እዚ በዓል ቂምን በደልን ዝሕደገሉ፣ ይቅርታን ሓድነትን ዝዝመረሉ እውን እዩ።
በዓል ኣሸንዳ፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንሰላምን ብሩህ ተስፋን ዝዝምራሉ እንበር ጦርነት ዝስበኸሉ ብዓል ኣይኮነን:: ኮይኑ ግና ግዜን ህዝባዊ በዓላትን እናተፀበዩ፣ ንባዕሎም ኣይዋግኡ ኣይሞቱ፣ ንቲ ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነን ክልሉን ሀገሩን ከልምዕን ክብሪ ህዝቡ ከቅንዕን ዝኽእል ዕሸል መንእሰይ ትግራይ ከም ቆፅሊ ክረግፍ እንከሎ ሕንከት ዘይስመዖም፣ ዓርሶምን ስድርኦምን ኣብ ማቻ ኣቐሚጦም፣ ሐዝውን ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይመሀሩ ዂናት ዝሰብኩ ዘለዉ ኣካላት ይኾነኩም፣ ልቢ ግበሩ ክንብሎም ይግባእ::
ዂናት ከምቲ ንሶም ዝብልዎ ፀዋታ አይኮነን። ብዙሓት ተስፋን ዓቅምን ህዝቦም ዝኾኑን ቀፃሊ ወለዶ ዝሃንፁን መናእሰይ ዝበልዕ፤ መስዋእቲ ዘኽፍልን ሃፍቲን ንብረትን እትስእነሉ አዕናዋይ መድረኽ እዩ። እዚ ፈሊጥና ንቶም ምጉዳል ኣካልን ምስአን ሂወትን መናእሰይ ክንዲ ፃት ዘይቖፅሩ ንዳግም ዂናት ዝፅሕትሩ ዘለው ኣካላት መሚና ፈሊጥና ክንቃለሶም ይግባእ::
ሃገር ተረካቢ መናእሰይ ክረግፉ ዝገብሩ ዘለው ሐሳብ ሰናይ ተግባር ብዝተሐንከሮም ፖለቲከኛታትን መራሕትን ኢና ዝብሉ ኣካላት፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ብዘተን ኢሂን ምሂንን ክፈትሑ ስለ ዘይከኣሉ ሙዃኑ አንዳዕዲዕና ክንፈልጥ ይግባእ። ባዕሎም ብዝሐንከርዎ ህዝቢ ሽፋን እናኾነ፣ እናተበደለን እናተጎድአን ዝነብረሉ ኩነታት ክንቅይር ብዕቱብ እንተሰራሕና ይሓይሽ።
ኣጀንደኦም አጀንዳ ህዝቢ፣ ሕቶኦም ሕቶ ህዝቢ እንተኾይኑ፣ ክንፍታሕ ዝድለ ፀገም-ፀገም ህዝቢ እንተኾይኑ፣ እቲ ዘለና ብሕታውን ንህዝቢ ኣሸናፊ ዝገብርን መማረፂ ብሰላማዊ መንገዲን ብሕግን ብሕገ-መንግስታዊ መስርሕን ኣፈላላያትካ ናብ ጠረጴዛ ሒዝካ ቀሪብካ ኢሂን ምሂን ምብህሃልን ሰፊሕ ዘተ ምክያድን ጥራሕ እዩ::
ካብዚ ወፃእ፣ ብጉልበትን ብዂናትን ክርከብ ዝኽእል ሰዓራይነት ኮነ ዘላቂ ሰላም ዘረገግፅ ፍታሕ ክህሊ እዩ ኢሉ ዝኣምን ኣካል እንተልዩ፥ እቲ ተፈጡሩ ዘሎ ኩነታትን፣ ገጢሙ ዘሎ ፀገም፣ አንፀላልዩ ዘሎ ችግርን ብዝግባእ ዘይተረደአ፣ ካብ ድልየት ህዝቢ ውልቃዊን ጉጅላዊን ድልየት ዘጨንቖን ንውልቀ ክብሩ ጥራሕ ዝሐስብን አካል እዩ።
ካብ ዝሓለፉ ዂናታት እንታይ ከሲብና ? ህዝብና ዝነበሮ ነገር ሒዙ ዝውስኾ ነገር ረኺቡ ዶ ስኢኑ? ኢልና ብዕሊ ንመርምር።
ዂናት ሕድሕድ ንሐደ ሰዓራይ ከምዘይገብር ሕሉፍ ዂናት ኣርእዩና እዩ። ካብዚ ተማሂርና፣ ኣፈላላያትና ኮነ ሕቶታትና ብዘተ ንምፍታሕ ብዘይ ገለ ዓይነት ቅድመ-ኹነት ናብ ዘተ ክእተ ምግባር ግብሪ ኩሉ ትግራዋይ ክኾን ይግባእ ።
አድላዪ መሰረታዊ ግልጋሎት ንምጅማር ዝርርብ ድዩ ድርዳር ዘየድሊ? ፌደራል መንግስቲ ህሉው ኣብዘይኮነሉ ክልል ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተኸታታሊ ዂናት ምስ ዘካየደ ኣካል አግባብ አከፋፍትኡ ከይተመያየጥካ ግልጋሎት ክጅመረሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ከመይ ከምዝድለ ግልፂ ኣይኮነን።
ግልጋሎት ንምጅማር፥ ብኸመይ መሰረተ ልምዓታት ቴሌኮም ፣ ባንክን ሐይሊ ኤሌክትሪክን ይፅገኑ? ከመይ ቢሮታት ይኽፈቱ? ከመይ ሰራሕተኛታት ናብ ስራሕ ይኣትዉ? ግልጋሎት ንምጅማር ዘድልዩ ሰብ ሞያ ፣ ማተርያል፣ ፋይናንስን ከመይ ይንቀሳቀሱ ? ወዘተ.. ዝብሉ ሕቶታት ብሓደ ወገን ጥራሕ ዝምለሱ ዘይኮኑስ ብኽልቲኡ ወገን ተዛቲኻ፣ መቆሎ ስራሕ ጌርካን ተስማዕሚዕኻን ንህዝቢ ብግልፂ ኣፍሊጥካን ዝእቶ እንበር፣ ሸፋፊንካ ዝፍታሕ ነገር ክኾን ዝኽእል ኣይኮነን።
አብ በዓል አሸንዳና፣ ክብርን ሐጎስን ህዝብና እንስንቀሉ፣ ተስፋ ሰላምን ራህዋን እንዝምረሉ፣
መዝሙር ሐቂን ርትዕን እነስተማቕረሉ ክኸውን እናተመነኹ፤ ደጊመ ርሑስ በዓል ክብል ይፎቱ።
ፈጣሪ ህዝብናን ዓድናን ይባርኽ !!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.