Fana: At a Speed of Life!

በዓልቲ ቤትን ውላድን ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ንካልኣይ ግዘ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓልቲ ቤት ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ወይዘሮ ፈለገህይወት በርሀን ውላዶም ኣግኣዚ ስዩምን ንካልኣይ ግዘ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ መርማሪ ፖሊስ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝተውሃቦ 8 መዓልታት ጊዘ ቆፀሮ ዝሰርሖም ስራሕቲ ንመጋባእያ ዕላዊ ገይሩ።

ቃል ከምዝተቐበለ፣ ኣብ መንበሪኦም ዝነበረ መሳርሒታት ኤሌክትሮኒክስ ንምርመራ ቴክኒክ ከምዝለኣኸን ውፅኢቱ ይፅበ ከምዘሎን ዝተዛረበ እቲ መርማሪ ፖሊስ፥ ብዝተጠርጠርሉ ተሳትፎ ገበን ብምስክር ናይ ምምራፅ ስራሕን ኣብ መንበሪ ቤቶም ዝተረኸበ ደፍተር ባንኪ ስዒቡ ፍልፍል ገንዘቦም ምፅራይን ኣብ መንበሪኦም ዝተረኸበ ክልተ ሽጉጥ ሕጋውነቱ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ ብመንፅር ውስብስብነት እቲ ገበን ተወሳኺ ምርመራ ንምግባር 14 መዓልታት ተወሳኺ መዓልቲ ቆፀሮ ሓቲቱ።

እቶም ተጠርጠርቲ ብፍላይ ወይዘሮ ፈለገህይወት፥ 28 ሰነ 2012 ዓ.ም ኣብ ክራይ ቤት መንግስቲ ዝነበረን ገዛ ተዓሺጉን በዝተገበረ ተፍቲሽ ዝተረኸበ ሽጉጥ ባዕለይ ከይደ ጣቢያ ፖሊስ ንክምዝግቡለይን ኣብቲ እዋን ክፍርም እንትብል እቲ ገዛ ምስተፈተሸ ትፍርሚ ብዝብል ምኽኒያት ኣይፈረምኩን ኢለን።

ብተወሳኺ እኹን ኣድራሻ ከምዘለወን ብምሕባር ናይ ባዕለን ይኹን ውላደን ኩነታት ጥዕና ኣብ ፀገም ኢዩ ዘሎ ብምባል፤ ፀቕጢ ደመን ከምዝወሰኸ ብምግላፅ መድሓኒት ንከምፅእ ይፈቐደለይ፤ ወደይ እውን ምስ ዘለዎ ኩነታት ጥዕና ብዋሕስ ወፂእና ምስ ቤተሰብ ይቀመጥ ከብላ ሓቲተን።

ቤት ፍርዲ ብግደኡ፥ እቲ ምርመራ ብሓፈሻ ይቐርብ ከምዘሎ ብምሕባር ትእዛዝ ንምሃብ ተሳትፎኦም ተፈሊዩ ይቕረብ ብምባል እቲ ምርመራ ንክቕፅል ንመርማሪ ፖሊስ ተወሳኺ 10 መዓልታት ፈቒዱ።

ንጥዕነኦም ዝኸውን ኣድላዪ መድሓኒት ተዓጅቦም ንከምፅኡ ድማ ፈቒዱሎም።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.