Fana: At a Speed of Life!

በዓላት ትንሳኤን ዒድን ንምኽባር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕዳጋ ዝርብሹ ደለልቲ ካብ ስርዓት ዕዳጋ ክወፅኡ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ዝኽበሩ በዓላት ትንሳኤን ዒድን ንምኽባር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ኣከባብራ እቶም በዓላት ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ገ/መስቀል ጫላ፥ ንዝሓለፉ 20 መዓልቲታት ነቲ በዓል ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ናብ ከተማ ኣዲ ኣበባ ንምእታው ምስ ክልላት ብምውዳድ እናተሰሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቶም በዓላት መበገሲ ብምግባር ኣብ መሰረታዊ ሸቐጣት ፀገም ቀረብን ግቡእ ዘይኮነ ናህሪ ዕዳጋን ከየጋጥም ብሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝምራሕ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ዝተሳለጡ ተግባራት ኣመልኪቱ ኣብ መግለፂኡ መብርሂ ሂቡ፡፡

ኣብቶም በዓላት ፀገም ቀረብ ከይህሉ ኣድለይቲ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ፍርያታት እናኣተዉ ከምዝኾኑ ኣመልኪቱ።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.