Fana: At a Speed of Life!

በዓላት ምፍናው ታቦትን ጥምቀትን ብሰላም ንኽኽበር ትልሚ ኣውፂኡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት ምፍናው ታቦትን ጥምቀትን 2016 ዓ/ም ብሰላም ንኽኽበር ትልሚ ኣውፂኡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

መዳርግቲ ኣካላትን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተለመደ ምትሕብባሮም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ እቲ ግብረ ሓይሊ ፀዊዑ፡፡

ብብርኪ ዓለም ለኸ ኣብ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ዝተመዝገበ በዓል ጥምቀት ብሰላም ንኽኽበር መላእ ኣካላት ፀፅታ ምድላዋት ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ፡፡

በዓል ጥምቀት ካብ ምፍናው ታቦት ጀሚሩ ኣብዘለዉ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል ኢዩ፡፡

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን÷ እቲ በዓል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ፀፅታ ንኽኽበር ክውገኑ ብዛዕባ ዝግበኦም ተግባራት ኣድሂቡ ዘተ ኣካይዱ፡፡

እቲ ዘተ ዝመርሑን መምርሒ ዝሃቡን ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ሓላፊ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ም/ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ÷ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ትኹረት ኣካላት ፀፅታ ንምዝባዕን ሃዋህው ኣከባብራ እቲ በዓል ንምህዋኽን ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ጎንፂ ዝቕስቅስ ትሕዝቶ ዘለዎም ሓበሬታታት እናጋወሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ጉጅለ ራዕዳውያን አለና ንምባል ዘለዎም ዓቕሚ ብምጥቃም ጉድኣት ካብ ምብፃሕ ንደሓር ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ይኹን እምበር ኣካላት ፀፅታ ቀንዲ ሽቱኡ ልዕለንት ሕጊ፣ ሰላምን ፀፅታን ብምርግጋፅ እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር ምግባር ስለዝኾነ ኩሉ ኣመራርሓን ኣባልን ነዚ ተገንዚቡ ሓላፍነቱ ብብቕዓት ክዋፃእ ከምዝግባእ መምርሒ ሂቦም፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰላምን ፀፅታን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብሄራዊ ግልጋሎት ሓሬታን ድሕንነትን፣ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ሸገር፣ ከምኡ እውን ናይ ካልኦት ትካላት ፀፅታ ኣመራርሓ ኣአብቲ መድረኽ ዘተ ተሳቲፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.