Fana: At a Speed of Life!

በዓላት መስቀለን ኢሬቻን ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንክኽበር ምድላዋት ይግበር ኣሎ-ፖሊስ ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት መስቀለን ኢሬቻን ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንክኽበር ምድላዋት ይግበር ኣሎ ክብል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ክልላት ብምዃን ኩነታት ሃገራዊ ፀፅታ ገምጊሙ።

ኣብቲ ገምጋም ኣብ መዓልታት ጳጉመን ዝተኻየዱ ፕሮግራማት፣ ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ.ምን በዓል መውሊድን ኣብ ኩሎም ከባቢታት እዛ ሃገር ብዘይምንም ፀገማት ፀፅታ ምኽባሮም ተገሊፁ።

ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ሸሊኾም ክኣትዉ ዝፍትኑ ዝነበሩ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔን ጉጅለ ፅንፈኛን ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ልዑል ቁፅሪ ህዝቢ ሃሊዩዎም ኣብ ኣደባባያት ዝበዓሉ በዓላት መስቀለን ኢሬቻን ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንክኽበር ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.