Fana: At a Speed of Life!

በቲ ግብረ ራዕዲ ንዝተመዛበሉ ህፃናትን ኣዴታትን ንብፀሐሎም – መምርሒ ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ደሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተመዛበሉ ህፃናትን ኣዴታትን ክንበፅሐሎም ይግባእ ክብሉ ሓላፊ መምርሒ ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ደሴ ኣይተ ኣብዱል ሃሚድ ይመር ገሊፆም።

ቁፅሪ ተመዛበልቲ እናወሰኸ ብምምፅኡ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎጥ ጥዕና ፈተና ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ 25 ግዚያዊ ጣቢያታት መዕቖቢ ማእኸል ሕክምና ብምኽፋት፣ ኣብ ስሩዓት ጣቢያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን 22 ሺሕ ተመዛበልቲ ሕክምና ከምዝረኸቡ ገሊፆም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 10 ሺሕ ዝኾኑ ኣገልግሎት ሃንደበታዊ ሕክምና ዝረኸቡ እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ሕሙማት ከምዝኾኑን 235 ኣዴታት ኣብ መዕቖቢ ጣቢያ እናሃለዋ ብሓገዝ ትካላት ሕክምና ከምዝወለዳን ኣብሪሆም፡፡

እቶም ሓላፊ ከምዝገለፁዎ፥ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ንምሕላው ኩለመዳይ ሓገዝን ካብ መንግስቲን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ኢዩ፡፡

ብኣለባቸው ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.