Fana: At a Speed of Life!

በቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዕንወት ዝበፅሖም ከተማታት ንምጥያሽ ከተማታት ምሕዝነተን ዘርእያሉ መድረኽ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ጥምረት ኣሕዋት ከተማታት ቁርፂ መዓልቲ” ብዝብል መሪሕ ቃል በቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዕንወት ዝበፅሖም ከተማታት ንምጥያሽ ከተማታት ምሕዝነተን ዘርእያሉ መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ኣሓት ከተማታት በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ከተማታትን ኣብ ጎንኹም ኢና ምባል ከምዝባእ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ከተማታት ንፁሃን ካብ ምቕታሉ ብተወሳኺ ዝኸኣሎ ብምዝራፍ ዘይከኣሎ ኣዕኒዩ ብምኻዱ ዜጋታት ንፀገም ተቓሊዖም ኢዮም፡፡

እተን ሚኒስትር፥ “ኢትዮጵያውያን ብሓድነት ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝሰዓርናዮ ኣብ ከተማታትና ዝበፅሑ ዕንወታት ብሓባርን ብሓላፍነትን መሊስና ክነጣይሾም ይግባእ” ክብላ ገሊፀን፡፡

መንግስቲ ዝበፅሑ ጥፍኣታት ብብርኪ ግብረ ሓይሊ እናፅነዐ ከምዝኾነ ዝገለፃ እንትኾና፥ ውፅኢቱ ኣብ ቀረባ እዋን ንሕብረተሰብ ዕላዊ ከምዝኸውን እውን ተዛሪበን፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ፥ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ቤት ጽሕፈት ፕሮጀክት ሪፎርም እቶት ከተማታትን ምስ መድረኽ ምትሕብባር ከተማታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኢዩ፡፡

ብጎህ ንጉሱ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.