Fana: At a Speed of Life!

በቢእዋኑ ዝነበሩ መንግስቲታት ኢትዮጵያ ንናፅነት ህዝቢ ኣፍሪካ ፅኑዕ ቅዋም ኣለዎም – ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕዚ ዘሎ ይኹን በቢእዋኑ ዝነበሩ መንግስቲታት ኢትዮጵያ ንናፅነት ህዝቢ ኣፍሪካ ፅኑዕ ቅዋም ኣለዎም ክብሉ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

“ምንካይ ስግኣታት ድሕንነት፣ ፀገማት ምፅዋርን ንደልያ ኣፍሪካ ምህናፅን” ብዝብል መሪሕ ቃል ቅድመ ፓናል ፎረም ጣና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ሃይለማርያም ኣብቲ መድረኽ ከምዝሓበሩዎ÷ “ኢትዮጵያ ተምሳሌት ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኢያ”።

በቢመንግስታት ዝተርኣየ መላእ ኣፍሪካውያን ካብ ባዕዳዊ ግዝኣት ናፃ ንኽወፅኡ ናይ ምሕጋዝ ስራሕ ክሳብ ሕዚ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ኣመልኪቶም።

ብምዃኑ ኢትዮጵያ ካልኦት ሓርበኛታት ናፅነት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ንምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተምሳሌት ከምዝኾነት ብተግባር ዘመስከረት ሃገር ኢያ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣዛተዪ እቲ ፈፎረም ፓትሪክ ሉሙምባ ብግደኦም÷ “ዛምቢያዊኬኔት ካውንዳ፣ ጋናዊ ክዋሚ ንኩርማህ፣ ታንዛኒያዊ ጁሌስ ኔሬሬን ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪካን ንኣህጉር ኣፍሪካ ዝሰርሑ ኢዮም” ኢሎም።

ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ÷ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምትእስሳር ምፍጣርን ካብ ፅዕንቶ ወፃኢ ዝተናገፈ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ምህናፅን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.