Fana: At a Speed of Life!

ቋንቋ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን  ኣብ ኣገልግሎት ምትርጓም ጉግል ተኻቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቋንቋ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን  ኣብ ኣገልግሎት ምትርጓም ጉግል ተኻቲቶም።

እቲ ኩባኒያ ብልዕሊ 300  ሚሊየን ዝዝረቡ ብሓፈኛ 24 ሓደሽቲ ቋንቋታት ናብ ዝርዝር ኣገልግሎት ትርጉም ከምዘካተተ ተገሊፁ።

ካብ መንጎ እዚኦም  ቋንቋታት ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ባምባራ ብዝብል ዝዝረብ ቋንቋ ሓዊሱ ኢው  ኣብ ጋናን ቶጎን፣ ክራዮ ኣብ ሴራሊዬን፣ ሊንጋላ ኮንጎ ሓዊሱ ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪካ፣ ሉጋንዳ ኣብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ሰፐዲን ሶንጋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኣብ ጋና ዝዝረብ ቋንቋ ትዊ ኣብ ኣገልግሎት ምትርጓም ጉግል ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

ጉግል እቶም ሓደሽቲ ተወሰኽቲ ቋቋታት ትርጉሞም ናይ ቀደም ምስላታት ብዘርእዩ ሓደሽቲ ሶፍትዌራት ዝተጣየሹ ኢዮም ተባሂሉ።

እቶም ቋንቋታት ኣብ ትርጉም ምክታቶም እወንታዊ ከምዝኾነ ድማ ተመራመርቲ ሓቢሮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.