Fana: At a Speed of Life!

ቆንስል ጀኔራል ዳኛቸው ይትባረክ ምስ ሚንስትር ጉዳይ ውሽጢ ሃገር ሶማሊያ ፑትላንድ ተመያይጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቆንስል ጀኔራል ኢትዮጵያ ኣብ ጋሮዌ ፑንትላንድ ሶማሊያ ዳኛቸው ይትባረክ ምስ ሚኒስትር  ውሽጢ ሃገር ፑንትላንድ ሶማሊያ መሓመድ አብዱረሺድ ምይይጥ ገይሮም፡፡

ኣብ ምይይጦም ድማ ኣብ  ሞንጎ ኢትዮጵያን ፑትላንድ ሶማሊያን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ዘትዮም፡፡

ሚኒስትር መሓመድ ኣብዱረሺድ ኣብ ሞንጎ ፑንትላንድ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዘሎ ሰናይ ምትሕብባር ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ንደለይቲ ትምህርቲ መናእሰይ ፑንትላንድ ሶማሊያ ኢትዮጵያ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ብምውሃብ ንዝለዓለ ዘፈር ትምህርቲ  ተገብሮ ድጋፍ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብቲ ዘፈር ዘሎ ድጋፍ ድማ ትካላት ፑንትላንድ ሶማሊያ ብምሕጋዝን ዕውታት ኣብ ብምግባርን ልዑል ግደ እናገበረ ከምዝረከብ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

እቶም ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብ ካልኦት ዘፈራት ንፑንትላንድ ሶማሊያ ትገብሮ ድጋፍ ከምዘመስገኑ እውን ካብ ሚንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.