ቆላማ ከባቢታት ንልምዓት መስኖ ዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቆላማ ከባቢታት ንልምዓት መስኖ ዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።
መንግስቲ ንኢትዮጵያ ካብ ተሓጋዛይነት ንምንጋፍ ካብ ዝውግኖም ስራሕቲ ሓደ ካብ ወቕቲ ዝናብ ሓሊፉ ልምዓት መስኖ ተፀራሓይ ኢዩ፡፡
ንኣብነት እውን ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ብዝተውሃቦ ትኹረት ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ብፍርያት ስርናይ ርእሳ ካብ ምኽኣል ሓሊፋ ንንግዲ ወፃኢ ምቕራብ ከምዝጀመረት ይፍለጥ፡፡
ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ናይ መወዳእታ ኣፈፃፅማ 100 መዓልቲታት እቲ በጀት ዓመት ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ንልምዓት ቆላማ ከባቢታት ብዝተውሃበ ትኹረት ውፅኢት እናተመዝገበ ይርከብ፡፡
እቶም ሚኒስትር፤ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ልምዓት ሕርሻ ትኹረት ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ቆላማ ከባቢታት እቲ ቀንዲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
እዚ ድማ ሓደ ኣካል ንኢትዮጵያ ካብ ተሓጋዛይነት ናይ ምልቓቕ ትልሚ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ብመንፅር እዚ ዝተፈላለዩ ቆላማ ከባቢታት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ዝገብሩ ፕሮጀክታት መስኖ እናተወገኑ ከምዝኾኑ ብምሕባር፥ እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ምዝዛም ናይ ቀፃሊ ኣንፈት ትኹረት ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡