Fana: At a Speed of Life!

ቅድሚ ምትግባር ሓዱሽ መምርሒ ብሄራዊ ባንኪ ምዝገባ ኣካይዶም ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰነዳት ብነባር ተመን ሸርፊ ወፃኢ ክቕፅሉ ኢዮም-ኮሚሽን ጉምሩክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ 22 ሓምለ 2016 ዓ.ም ምትግባር ሓዱሽ መምርሒ ብሄራዊ ባንኪ ምዝገባ ሰነድ ኣካይዶም ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰነዳት ብነባር ተመን ሸርፊ ወፃኢ ክቕፅሉ ኢዮም ክብል ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ደበሌ ቃበታ፥ ትካሎም ምዝገባ ሰነድን ከይዲ ምፅራይን ብኣግባቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ባንኪ ሓዱሽ መምርሒ ተግባራዊ ምግባር ካብ ዝጀመረሉ 22 ሓምለ 2016 ዓ.ም ቅድሚኡ ምዝገባ ሰነዶም ዝፈፀሙን ተቐባልነት ዝረኸቡን ሰነዳት ቅድመ ሐዚ ብዝነበረ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ክቕፅሉ ኢዮም ኢሎም።

ይኹን እንበር እቶም ዝቐረቡ ሰነዳት ዘይተማልኡን ዝተርፉ ጉዳያት ዘለውዎምን ተቐባልነት ዘይረኸቡ ሰነዳት ዝተኣናገድሉ በቲ ዕለታዊ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

እቲ ኮሚሽን ብመሰረት ዘለዎ መምርሒ ኣሰራርሓ ሰነድ ኣታዊ ናውቲታት በምፍታሽ ናብ ውሽጢ ዓዲ ነክኣትዉ ይገብር ከምዘሎ አውን ኣረዲኦም።

ብሰለሞን ይታየው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.