Fana: At a Speed of Life!

ቅስሚ ከዳዓት ሰቢርና ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንምሽጋር ኩልና ወታደር ክንኾን ይግባእ-ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)24 ጥቅምቲ ናይ ክሕደት መወዳእታ ዝተርኣየሉ ዕለት!  ናይ ኢትዮጵያ ብሔራት፣ ብሔረሰበትን  ህዝብታትን  ልቢ ዝሰበረ ዜና ዝተሰምዐሉ  ዕለት ኢዩ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ቅስሚ ከዳዓት ሰቢርና ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንምሽጋር ኩልና ወታደር ክንኾን ይግባእ ኢሉ።

ታሪክ ታሪክ ሰራሕታ ትስል ዝበለ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ዕቡያትን እኩያንን ብትዕቢቶምን ክሕደቶም ይዝከሩ ኢሉ፡፡

ንሓቂ ደው ዝበሉን ሃገር ዘቐደሙን ድማ ብሓቆምን ርትዖምን ይዝከሩ ኢሉ።

ኩሉ ግን ናይ ታርክ ኣካል ከምዝኾነ ገሊፁ።

“ካብ ዘበንና ናይ ክሕደት መወዳእታ 24 ጥቕምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ዝኸውን ፈፂሙ ዝርከብ ኣይመስልን ክብል ገሊፁ።

እዛ ዕለት ንሃገር ዶብ ንመስዋዕትነት ደው ዝበለ ጅግና መከላከያ ሠራዊትና ብንይ ባዕሉ ወገናት ብድሕሪቱ ዝተወግኣሉ ብምዃኑ ኣብ ታሪክ ጠባሳ ኩሉ ጊዜ እንትንዝክራ ክንነብር ኢና ኢሉ።

ናይ ኢትዮጵያ ብሔራት፣ ብሔረሰባትን ህዝብታትን ነታ ዕለት እንትዝክሩ ነቲ ህልውና ወፍሪ ናይ ባዕሎም ግደ ከመይ ክዋፅኡ ከምዝኽእሉ ብምሕሳብ ክኸውን ይግባእ ኢሉ እቲ መግለፂ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.