Fana: At a Speed of Life!

ቃል ብዝኣተናዮ መሰረት ዝተወሰኑ መገዲታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይርና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ቃል ብዝኣተናዮ መሰረት ዝተወሰኑ መገዲታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይርና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከተማና ብምዃን ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርና ተዘዋዊርና ገምጊምና” ኢለን።

ቃል ብዝኣተናዮ መሰረት ዝተወሰኑ መገዲታት (ብዜካ ዝተረፉ ኣናእሽቲ ስራሕቲ) ብምዝዛም ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝተገበሩ ዝገለፃ ከንቲባ ኣዳነች÷ “ንኣብነት ድማ ካብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ ክሳብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ካብ ደጎል ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ኮንደሚኒየም ካብ ኣራት ኪሎ ክሳብ ቅ/ማርያም መግለሲ፣ ካብ ሜክሲኮ ኣደባባይ ክሳብ ሳርቤት) ዝተረፉ እውን ብዝተትሓዘሎም ግዘ ንምዝዛም ሰሙን ሙሉእ እናሰራሕና ንርከብ” ኢለን።

ኣብቶም ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር እናተሳተፉ ንዝርከቡ ኮንትራክተራት፣ ኣማኸርቲ፣ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ፣ መሃንዲሳት፣ ሰብሙያ፣ መላእ ሰራሕተኛታት እቶም ፕሮጀክታት፣ ኣካላት ፀፅታ ከምኡ እውን ንነበርቲ እታ ከተማ እናሃቡ ንዝርከቡ ኣገልግሎትን ምትሕብባርን ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.