Fana: At a Speed of Life!

ቁፅሪ ካብ ቫይረስኮሮና ዝሓሾም ሰባት ልዕሊ 376 ሺሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቁፅሪ ካብ ቫይረስኮሮና ዝሓሾም ሰባት ልዕሊ 376 ሺሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ብብርኪ ዓለም ክሳብ ሐዚ ኣስታት 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ቁፅሪ ምውታት ድማ ካብ 102 ሺሕን 800 በፂሑ ኣሎ።

ዩኒቨርስቲ ጆን ሆፕኪንስ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፥ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ 376 ሺሕ ሰባት ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ክሓውዩ ክኢሎም ኣለው።

እቶም ከም ዝሓወዩ ዝተገለፀ መብዛሕትኦም ኣብተን በቲ ሕማም ዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት እንትኸውን፥ ኣብ ቻይና 77 ሺሕን 791፣ ስፔይን 55 ሺሕን 668፣ ጀርመን 53 ሺሕን 913፣ ኢራን 35 ሺሕን 465፣ ጣሊያን 30 ሺሕን 455 ከምኡ’ውን ኣሜሪካ 28 ሺሕን 790 እዮም።

ክሳብ ሐዚ ካብ ዝሞቱ እቲ ዝበዝሐ ቁፅሪ ኣብ ጥልያን እንትኸውን፥ ኣብታ ሃገር 18 ሺሕን 849 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

ኣብ ኣሜሪካ 18 ሺሕ 761፣  ስፔይን 16 ሺሕን 81፣  ፈረንሳይ 13 ሺሕን 197፣ ብሪታኒያ 8 ሺሕን 958 ከምዝሞቱ እውን ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ኣብ መላእ ዓለም ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝልከፉን ዝሞቱን ሰባት ይውስኽ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.